FeaturedPOSTSViP

ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዉእ “ሮሞዳን መሓመድ ኑር”!

ሓርበኛ ስዉእ “ሮሞዳን መሓመድ ኑር”!

ኣብ 1938 ዓ.ም.፡ ካብ ኣቦኡ ኣቶ መሓመድኑር ሮሞዳንን ኣዲኡ ወይዘሮ ስቶም እድሪስ ኢብራሂምን ኣብ ሕርጊጎ ዝተወልደ ሓርበኛ ተጋዳላይ ሮሞዳን፡ ካብ ሰለስተ ኣሕዋቱ መበል ካልኣይ እዩ። ኣብ 5ይ ዓመቱ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ቁርኣን፡ ቀለማውን ስነ-ምግባራውን ትምህርቲ ዝጀመረ ብጻይ ሮሞዳን፡ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ሕርጊጎ’ዩ ተማሂሩ። ድሕሪኡ፡ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ንምቕጻል ናብ ኣስመራ ብምግዓዝ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣልጃልያ ኣልዓረብያ ተጸንቢሩ። እቲ እዋን’ቲ ምስ ውሳነ ፈደረሽን ተኣሳሲሩ፡ ፖለቲካዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጓሃሃረሉ ግዜ ብምንባሩ፡ ንመንእሰይ ሮሞዳን ጽኑዕ መሰረት ፖለቲካውን ሃገራውን ንቕሓት ኮይኑዎ እዩ።

ኣብ ትምህርቲ ብዝነበሮ መንፋዓት ካብ መማህራኑ ሞጎስ ዝረኸበ መንእሰይ ሮሞዳን፡ 9ይ ክፍሊ ድሕሪ ምውድኡ፡ ብዝረኸቦ ዕድል ማህደረ-ትምህርቲ ኣብ መፋርቕ 50ታት ናብ ካይሮ ብምምራሕ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ካይሮ’ዩ ዛዚሙ። ናብ ዩኒቨርሲቲ ዘእቱ ነጥቢ ስለዝረኸበ ከኣ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካይሮ ኰለጅ ምህንድስና ተጸንቢሩ። ኣብ ሓምለ 1960 ኤርትራውያን ተማሃሮ ካይሮ፡ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝመስረትሉ እዋን፡ ሓደ ካብቶም ብመጀመርያ ዝተወደቡ፡ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር’ዩ ነይሩ። ኣብ 1961 ዕጥቃዊ ቃልሲ ምስ ተወልዐ ከኣ፡ ካብቶም ቀዳሞት ናብ ሰውራ ክጽንበሩ ዝተሃንጠዩ መንእሰያት’ዩ ነይሩ። “ሓንሳብ ጽንሑ” ስለዝተባህሉ ግን፡ ንሱን ብጾቱን ትምህርቶም ቀጺሎም። ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 1963 ግና፡ ንዕኡን ብጾቱን “ትምህርትኹም ኣቋሪጽኩም ንሜዳ ክትከዱ ድልዋት ዲኹም? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም። “ትምህርቲ ቅድሚ ሃገር ኣይንሰርዖን ኢና” ስለዝበሉ ከኣ፡ ወተሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ናብ ሶርያ ተላኢኾም።

ብጻይ ሮሞዳን ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ወተሃደራዊ ስልጠና ኣብ ሶርያ ድሕሪ ምቕሳም፡ ኣብ ሚያዝያ 1964 ንሜዳ ካብ ዝኣተዉ ኣስታት 20 ኣባላት ቀዳማይ ዙርያ ተዓለምቲ ሶርያ እዩ። ኣብ 1965 ምስ ምቛም ክፍልታት ተ.ሓ.ኤ.፡ ፖለቲካዊ ኮምሽነር 4ይቲ ክፍሊ ኮይኑ ዝተመደበ ብጻይ ሮሞዳን፡ ኣብ 1967 ካብ ሜዳ ቃልሲ ንትምህርቲ ናብ ሃገረ ቻይና ካብ ዝተላእኩ 5 ኮሚሽነራት ክፍልታት ተጋደልቲ ሓደ’ዩ።

ተጋዳላይ ሮሞዳንን ብጾቱን ካብ ቻይና ዝተመልስሉ እዋን፡ ተሓኤ ብውሽጣዊ ቅልውላው ትሕመሰሉ ዝነበረት ግዜ እዩ። ነቲ ብጉድለት ብቑዕ ኣመራርሓ፡ ናይ ምድኻም ኣንፈት ሒዙ ዝነበረ ሃገራዊ ቃልሲ፡ መስመሩ ንምስትኽኻል ብመሰረታውያን ተጋደልቲ ኣብ ዝተላዕለ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ድማ፡ ብጻይ ሮሞዳን ንጡፍ ግደ ነበሮ። በዚ መሰረት፡ ኣብ ዋዕላ ዓንሰባ – መስከረም 1968 ኣብ መሪሕነት ስሙር ሓይሊ ተመርጸ። ቀጺሉ ከኣ፡ ኣብቲ ኣብ ነሓሰ 1969 ዝተኻየደ ዋዕላ ኣዶብሓ፡ ኣባል ጠቕላሊ መሪሕነት ኰይኑ ተመርጸ። ይኹን’ምበር፡ እቲ ናይ ምእራም ምንቅስቓስ ተስፋ ምስ ተሳእኖ፡ ብጻይ ሮሞዳን ኣብ 1970 ምስ ብዙሓት ተቓለስቲ ብጾቱ ካብ ጠቕላሊ መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ ተፈልዩ፡ ሓደ ካብ መስረትቲት ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ኰነ። ኣብ’ቲ ኣብ ሓምለ 1971 ዝተኻየደ ዋዕላ እምባህራ፡ ኣባል መሪሕነት ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ክኸውን በቒዑ። ብጻይ ሮሞዳን፡ እተን ክልተ ወገናት ሰሚረን ንህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ክምስርታ ልዑል ግደ ዝተጻወተ መራሒ’ዩ። ድሕሪ ስምረት ክልቲኡ ወገናት ከኣ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህዝባዊ ሓይልታት ብምዃን ቃልሱ ቀጺሉ።

ብጻይ ሮሞዳን፡ ካብ 1970 – 1976 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ብደረጃ ላዕለዋይ መሪሕነት፡ ኣብ ሜዳ ቃልሲን ወጻኢ ሃገርን እናተንቀሳቐሰ፡ ናይ መሪሕነት ተራኡ ብብቕዓት ድሕሪ ምፍጻም፡ ኣብ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር- ጥሪ 1977፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባርን ኮይኑ ተመሪጹ።

ድሕሪ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ብጻይ ሮሞዳን፡ ብደረጃ ዋና ጸሓፊ ውድብ ህ.ግ. ካብ ሜዳ ኤርትራ ናብ ወጻኢ ሃገር እናተንቀሳቐሰ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነትን ፍትሓውነቱን ኣብ ምፍላጥ፣ ዝምድና ውድብ ህዝባዊ ግንባር ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ኣህጉራዊ ውድባትን ኣብ ምስፋሕ፣ ደገፋት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምዕዛዝ፣ ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ ዜጋታት ኣብ ምውዳብን ኣበርክቶኦም ኣብ ምሕያልን፡ ልዑል ስራሕ ዝሰርሐ ኣብ ታሪኽ ደሚቑ ዝዝከር ዕማማት ዝፈጸመ ብጻይ እዩ።

ሓርበኛ ተጋዳላይ ሮሞዳን ኣብ 1987፡ ኣብ ካልኣይን ሓድነታዊን ጉባኤ ህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ሳግም)፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለን ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ኮይኑ ተመርጸ። ብደረጃ ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ ሓላፊ ናይ’ቲ ሽዑ ዝቘመ ክፍሊ ፍትሒ ብምዃን ድማ፡ ፍርዳዊ ትካልን ሕግታትን ኣብ ምምስራትን ምምዕባልን መሪሕ ግደ ተጻዊቱ።

ብጻይ ሮሞዳን፡ ክሳብ ናጽነት፡ በዚ ዝተጠቕሰ ጽፍሒ ናይ መሪሕነት ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ድሕሪ ምግልጋል፡ ድሕሪ ናጽነት ክሳብ 1994 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ጸሓፊ ክፍሊ ፍትሒ፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ደንካልያ፡ ሚኒስተር ፍትሕን ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳራን ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር 1994 ከኣ፡ ብፍቓዱ ካብ ምርጫ መሪሕነት’ኳ እንተወረደ፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ቃልሱ ንዳግመ ህንጸት ሃገርን ምክልኻል ልዑላውነትን ኣየቋረጸን።

ስውእ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲን ድሕሪ ናጽነትን ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ናይ መሪሕነት ተመዲቡ ኣብ ዝሰርሓሉ፡ ኣብ ምምዕባልን ምድላብን ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን፡ ቁጠባዊን ዲፕሎማሲያውን ዓቕምታት ውድብ ህ.ግ.፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህንጸት ትካላዊ ብቕዓትን ምኹስኳስ ካድረታትን ዝነበሮ ኣበርክቶ ልዑል ክብሪን ኣድናቖትን ዝወሃቦ እዩ።

ሓርበኛ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ ርእሲ ትምህርቱ፡ ብውልቃዊ ጻዕሪ፡ ነብሱ ብምምዕባል ልዑል ፖለቲካዊን ፍልስፍናዊን ፍልጠት ከጥሪ ዝኸኣለ መራሒ እዩ ነይሩ። ቁንቋታት ትግረ፡ ዓረብ፡ ትግርኛን እንግሊዝን ዝፈልጥ ብጻይ ሮሞዳን፡ ንህዝቢን ተጋደልቲን ብፍልጠት ክምልምልን ከማዕብልን ከይተሓለለ ዝጽዕር፡ ብርቱዕ ፍቕሪ ህዝቢን ሃገርን ዝነበሮ ብጻይ ኢዩ ኔሩ።

ስውእ ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽድሽተ ውሉዳትን እዩ።

ከምዚ ዝኣመሰለ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ድሕሪኡን መሪሕ ግደ ዝነበሮ ዓቢይን ክቡርን ተቓላሳይ፣ ምቕሉልን ኣብነታዊን መራሒ ንሓዋሩ ብኽብሪ ኣብ እነፋነወሉ ህሞት እምበኣር፣ ከም ሃገራውያን ዝስምዓና ሓዘን ርዝነቱ ቀሊል ኣይኮነን።

ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር ብልዑል ፍቕሪን ተወፋይነትን፡ ምሉእ ዕምሩ፡ ስለ ህዝቢን ሃገርን ተበጅዩ ድሕሪ ምግልጋል፡ ብዘጋጠሞ ሕማም፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ሕክምናዊ ክትትል ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ29ታሕሳስ 2021፡ ኣብ ሱዳን ተሰዊኡ። ኣብ 02 ጥሪ 2022 ድማ፡ ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ቤተሰቡን መቓልስቱን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ኣብ መካነ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ፡ ብኽብ ዝበለ ስነ-ስርዓት ሓመድ ኣዳም ለቢሱ።

ዕረፍቲ ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ላዕለዋይ መራሒን ክቡር ብጻይን፡ ንሃገርን ህዝቢን ዓቢ ክሳራ’ኳ እንተኾነ፡ ብጻይ ሮሞዳን መሓመድኑር፡ ኣብ’ቲ ዝተዋህቦ ዕምሪ፡ ብምሉእ ዓቕሙን ብልሑን፡ ንሃገሩን ህዝቡን ተወፍዩ ዝሰርሐ፡ ኣብነት ኮይኑ ዝመርሐን ዘቃለሰን፡ ሃገራዊ ግቡኡ ብምልኣት ዝፈጸመ ተቓላሳይ ብምዃኑ፡ ነቲ ብዙሕ ዝዓመመሉን ዘፍረየሉን ጉዕዞ ህይወቱ ብሓበንን ዓቢይ ክብርን ወትሩ ኣብ ልቢ ንፍስወከፍ ኤርትራዊ እናተዘከረ ክነብር’ዩ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታትና!
ዓወት ንሓፋሽ!

MOI Eritrea

——————————————————–

Veteran fighter Romodan joined the Eritrean Liberation Front (ELF) in 1964 and was Commissioner of the Fourth Department in the early years of the liberation struggle.  Mr. Romodan was one of the founders of the Eritrean People’s Liberation Front (EPLF).

Veteran fighter Romodan was elected as the Secretary of the EPLF in its first Congress.

After Independence, Mr. Romodan served his nation and people as Governor of the Northern Red Sea Region and Minister of Justice.

Veteran freedom fighter Romodan Mohammed Nur is survived by his six children.